አብታ መንግስቲ ኣምላኽ ኩሉና መተዓይይቲ ኢና
1ይ ቆሮ፡ 3፡9 ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ ኢኹም፡ ይብል ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆረንቶስ ክጽሕፈሎም ከሎ። ኩሉ ብየሱስ ክርስቶስ ኣሚኑ ዳግም ዝተወለደ፡ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ዝኮነ ኣማኒ፡ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ መዓይይቲ ኣምላኽ እዩ። እቲ ዝተዋሃበና ውህበት ጸጋ እኳ በበይኑ እንተኾነ ሮሜ 12፡6 ዕላማ እቲ ውህበት ግና ኣብ ኩሉ ህዝቢ ኣምላኽ ንጹር እዩ። ንሱ ድማ ንስም እግዚኣብሄር ምኽባር ንእካል ክርስቶስ (ማሕበር) ምህናጽ፣ንመንግስቲ ሰይጣን ምፍራስ እዩ። ቆሎ 3፡17 1ይ ቆረ 14፡26 . . . ኩሉ ንምህናጽ ማሕበር ይኹን። ግብ 8፡5-13 በቲ ኣብ ወንጌላዊ ፊልጶስ ተቐሚጡ ዝነበረ ጸጋ ኣምላኽ እታ ኣብ ከተማ ሰማርያ ዝነበረት መንግስቲ ሰይጣን ፈሪሳ፡፡ ስለዚ ድማ እቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዝተቀመ ጠጸጋ፡ ንእግዚኣብሄር ዘክብር፡ ንማሕበር ኣምላኽ ዝሃንጽ፡ ንመንግስቲ ሰይጣን ዘፍርስን እዩ።
ራኢና፡ ንእግዚኣብሄር ብቁዕ ህዝቢ ምድላው
ብመሰረት ኣብ ሉቃ 1፡17 “ንሱ ብቁዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳሉ ልቢ ኣቦታት ናብ ዉሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ክመልስ፡ ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቕድሚኡ ኪከይድ እዩ።” ዝብል ቃል፡ ራኢና ንኣምላክ ዝበቕዕ ህዝቢ ምፍራይ እዩ። እዚ ማለት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ዝተጸወዓሉ ጽዉዓ ብቑዕ ኮይኑ ከም ዝመላለስ ምግባር እዩ። ኣብ ኤፌ 4፡1 “ነቲ ዝተጸዋዕኩምሉ ጽዉዓ ብቑዓት ኬንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣሎኩ” ይብል።
መሰረተ እምነትና
ብርሃን ወንጌል ሕብረት ቤተ ክርስትያን ጁባ ኣብ ጁባ፡ ብሓፈሻ ኣብ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ብፍሉይ ድማ ኣብ ከተማ ጁባ ንዘለዉ ብጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ዳግም ዝተወልዱ ኩሎም ክርስቲያናት ብዘይ ኣፈላላይ ናይ ሃገር፡ ብሄር፡ ቤተክርስቲያናዊ ድሕረ ባይታ እተሓቁፍ ማሕበር እያ። መሰረት እምነታ ከም ቃል ኣምላኽ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ከም ኩለን ወንጌላዉያን ማሕበራት በዚ ዝስዕብ መግለጺ እምነት ይትንተን።
ታሪኽ ቤተክርስትያንና
ብርሃን ወንጌል ሕብረት ቤተክርስትያን ኣብ ጁባ ኣብ’ዚ ሕጂ ዘላቶ ደራጃ ንክትበጽሕ ብዝተፈላለየ መድረኽ ሓሊፋ እያ። እዛ ማሕበር ካብ ኤርትራ ብስራሕ ኢሎም ብዝመጹ፡ እሞ ኸኣ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት ዝነበሩን ብወንጌል ክርስቶስ ኣሚኖም ዳግም እተወልዱን ክርስትያናት ኣሕዋት ኢያ ተመስሪታ።